ንዘመን ኣሕሊፍካ ኣብዚ ዘብጻሕካና፡ ስለቲ ምሕረትካ ተመስገን ኣምላኽና /2/ /2/
ቡሩኽን ቅዱስን ዓመት ክትገብረልና፡ ኣብ ቅድሚ መንበርካ ንልምን ኣሎና /2/
ንዘመን ኣሕሊፍካ.......
በረኸትን ጠልን ናይ ሰማያት መና፡ ሰላምን ህድኣትን ምልኣዮ ዓለምና /2/
ንዘመን ኣሕሊፍካ.......
ብሓቅን ብፍቕርን ምስ ብዙሕ ትሕትና፡ ምሉኣት ክንከውን ህዝብኻ ኩልና /2/
ንዘመን ኣሕሊፍካ.......
ሕግኻን ትእዛዝካን ኣሕድሮ ኣብ ልብና፡ ኣምላኽ ኩሉ ዓለም ጸሎትና ስምዓና /2/
ንዘመን ኣሕሊፍካ.......
ዓመተ ምሕረት ዓመተ ጥዕና፡ ይኹነልኩም ህዝበይ በለና ኣምላኽና /2/ /3/
ንዘመን ኣሕሊፍካ ኣብዚ ዘብጻሕካና ስለቲ ምሕረትካ ተመስገን ኣምላኽና /2/