Eritrean Orthodox Tewahdo Church of St Mary in Chicago

Subtitle

መዝሙር ሓድሽ ዓመት

መዝሙር ሓድሽ ዓመት

      ንዘመን ኣሕሊፍካ ኣብዚ ዘብጻሕካና፡ ስለቲ ምሕረትካ ተመስገን ኣምላኽና /2/ /2/

ቡሩኽን ቅዱስን ዓመት ክትገብረልና፡ ኣብ ቅድሚ መንበርካ ንልምን ኣሎና /2/

     ንዘመን ኣሕሊፍካ.......

በረኸትን ጠልን ናይ ሰማያት መና፡ ሰላምን ህድኣትን ምልኣዮ ዓለምና /2/

     ንዘመን ኣሕሊፍካ.......

ብሓቅን ብፍቕርን ምስ ብዙሕ ትሕትና፡ ምሉኣት ክንከውን ህዝብኻ ኩልና /2/

     ንዘመን ኣሕሊፍካ.......

ሕግኻን ትእዛዝካን ኣሕድሮ ኣብ ልብና፡ ኣምላኽ ኩሉ ዓለም ጸሎትና ስምዓና /2/

     ንዘመን ኣሕሊፍካ.......

ዓመተ ምሕረት ዓመተ ጥዕና፡ ይኹነልኩም ህዝበይ በለና ኣምላኽና /2/  /3/  

     ንዘመን ኣሕሊፍካ ኣብዚ ዘብጻሕካና ስለቲ ምሕረትካ ተመስገን ኣምላኽና /2/  

 

Drib Habti

Geez Calendar

Audio Bible

Facebook Fanpage Box

Bible Search

Search the Bible



BibleGateway.com