Eritrean Orthodox Tewahdo Church of St Mary in Chicago

Subtitle

ትንሣኤ: ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን May 01, 2016

...ጐይታ ከምዚ ኢሉ ብኽብሪ፡ ብዓጀብ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ፡ንቤተ መቕደስ ዕዳጋ ጌሮሞ ጸንሑዎ፡ ንሱ ከኣ ንኹሎም ሸቃጦ ሰጕጉ “ቤተይ ቤት ጸሎት ክበሃል ኢዩ፡ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩምዎ” በሎም።ኣብኡ ንዝጸንሑ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድማ፡ ርኅራኄኡን፡ ኣምላኽነቱን፡ ንኽገልጽ፡ንኹሎም ኣሕወዮም።ማቴ. 21.13—15. በዓል ሆሣዕና እምበኣር ጐይታ ሰማይን ምድርን ንግሥነቱ ከርኢ፡ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢየሩሣሌም ዝኣተወሉ ሥልጣኑ ዘርኣየሉ መዓልቲ ኢዩ። Read more... 

ሆሣዕና፡ ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚኣብሔር
....ጐይታ ከምዚ ኢሉ ብኽብሪ፡ ብዓጀብ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ፡ንቤተ መቕደስ ዕዳጋ ጌሮሞ ጸንሑዎ፡ ንሱ ከኣ ንኹሎም ሸቃጦ ሰጕጉ “ቤተይ ቤት ጸሎት ክበሃል ኢዩ፡ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩምዎ” በሎም።ኣብኡ ንዝጸንሑ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድማ፡ ርኅራኄኡን፡ ኣምላኽነቱን፡ ንኽገልጽ፡ንኹሎም ኣሕወዮም።ማቴ. 21.13—15. በዓል ሆሣዕና እምበኣር ጐይታ ሰማይን ምድርን ንግሥነቱ ከርኢ፡ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢየሩሣሌም ዝኣተወሉ ሥልጣኑ ዘርኣየሉ መዓልቲ ኢዩ። Read more... .
ኣስተርእዮ January 30, 2016

  ኣስተርእዮ

          ፈጣሬ ዓለማት ልዑል ኣምላኽና ኣቦና ኣዳም ብዝበደሎ በደል፡ ንሓዋሩ ይጥፋእ ኢሉ፡ ኣይሓደጎን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ ኢየ፡ ኢሉ ተስፋ ድሕነት ሂቡዎ ነበረ። ነቲ ተስፋ ከኣ ብዝተፈላለየ ምሳሌታት ይገልጾ ነበረ። ቅድም ኢሉ ንሙሴ ብኣሻዅ ቈጥቋጥ ክግለጸሉ ከሎ፡ ሙሴ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ፡ ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ልዕሊኣ እናነደደ ንሳ ግና ዘይትቃጸል፡ ቈጽላ ዘይሓርር ምስ ረኣየ ተገረመ እሞ፡ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ካብ ማእከል እታ ቈጥቋጥ፡ “ሙሴ፡ ሙሴ፡ ክብል ኣምላኽነቱ ገለጸሉ” (ዘጸ. 3፡2-7)። ነዚ ምግላጽ እዚ ከኣ፡ ኣቦታት ቤተ-ክርቲያንና፡ “ተመሰልኪ ዕፀ-ጳጦስ፡ ዘርእየ ሙሴ” በታ ሙሴ ብነበልባል ሓዊ፡ ተኸቢባ ከላ ቈጽላ ከኣ፡ ዘይተቓጸለ ዝረኣያ ዕፀ-ጳጦስ ተመሰልኪ Read more...

ልደት 2016

ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት፣ ወሰላም በምድር 

"ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፤ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ።"

እዚ ቃል እዚ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ፣ እግዚኣብሔር ወልድ ሥጋ ለቢሱ፣ ሰብ ኮይኑ፣ ዝተገልጸሉን ዝተራእየሉን መዓልቲ ዕለተ ልደት፣ እቶም ምስጋና ዝሥርሖም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዝዘመሩዎን ዘመስገኑዎን ምስጋና ኢዩ።Read more....

ትንሣኤ 2015

ጐይታ፡ ኣብ መወዳእታ፡ “ተፈጸመ” በለ፡ ርእሱ ኣድነነ፡ ነፍሱ’ውን ወጸት። ምስ ሞተ፡ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ዝተባህሉ ሕያዎት ሰባት፡ ካብ መስቀል ኣውሪዶም፡ ገኒዞም ቀበርዎ’ሞ፡ ጐይታ ከኣ ኩሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ ስለዝኾነ፡ “ሽዑ እግዚኣብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዘትንሥእ ሰብ፡ ተንሥአ” ዝተባህለ፡ ንሓይሊ ሞት ኣሰኒፉ ተንሥአ። ክብሪ ንዘለዓለም ንዕኡ ይኹን።Read more....

ቍጽርታት ግዕዝ ምስ ንባቡ ( Numbers in Geez)

      ፩     1     ኣሓዱ                  

      ፪     2     ክልኤቱ

      ፫     3     ሠለስቱ

      ፬     4     ኣርባዕቱ

      ፭     5     ሓምስቱ

      ፮     6     ስድስቱ

      ፯     7     ሰብዓቱ

      ፰     8     ሰመንቱ

      ፱     9     ተስዓቱ

      ፲     10    ዓሠርቱ

      ፲፩    11    ዓሠርቱ ወኣሓዱ... Read More ....up to 1,000,000

ዓሰርተ ትዛዛት

1.    ብዘይካ እግዚኣብሔር ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኽ፣

2.   ስም እግዚኣብሔር ብኸንቱ ኣይትጸውዕ፣

3.   መዓልቲ ሰንበት ኣኽብር፣

4.   ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፣

5.   ኣይትቕተል፣

6.   ኣይትዘሙ፣

7.   ኣይትስረቕ፣

8.   ብሓሶት ኣይትመስክር፣

9.   ዘይገንዘብካ ኣይትመነ፣ ዘጸ.20፣1-17

10.  ብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር፣ ዘሌ.19፣18.

ትንሣኤ 2014

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንስሙ ምስጋና ይኹን፡ ንድሕነት ዓለም ክብል ሥጋ ለቢሱ፡ ሰብ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓለም’ዚ ን33 ዓመትን 3 ወርሕን ተቐሚጡ ኢዩ። እቲ ዝበዝሐ ትምህርቱን ተኣምራቱን ደማ ድሕሪ ጥምቀቱ፡ ብጾም ዝጀመሮ፡ 3 ዓመትን 3 ወርሕን ዝፈጸሞ፡ ኣብ ቅዱስ ወንጌሉ ተጻሒፉልና ዝርከብ ኢዩ። ጐይታ ዝፈጸሞ ተግባራት ኩሉ ካብ ዝውለድ፡ ክሣብ ዝስቀል፡ ተንሢኡ ክሣብ ዝዓርግ፡ ብሙሉኡ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያት ጌሩ ገሊጹዎ ኔሩ ኢዩ። Read More....

ኣስተርእዮ January 2014

ጥሪ 21 በብዓመቱ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ በዓል ዕረፍታ፡ ኣስተርእዮ እናተባህለ ይጽዋዕ። ኣስተርእዮ ማለት ድማ፡ “ዝኬ ዘኣስተርኣየ በሥጋ ሰብእ ወጸድቀ በመንፈስ ወኣስተርኣዮሙ ለመላእክት ወሰበክዎ ውስተ ኣሕዛብ ወተኣምነ ውስተ ዓለም ወዓርገ በስብሓት” 1ጢሞ.3፡16. እቲ ብሥጋ ሰብ ዝተገልጸ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ብመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ብኽብሪ ዓረገ፡ Read more.....
ሕፃን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተዋሂቡልና January 07, 2014

..ሕፃን ተወሊዱልና ኢዩ ዝበለ። ተወሊዱ ጥራይ ኣይበለን፡ ምላድሲ ኣእላፋት ይውለዱ፡ ኣእላፋትውን ይሞቱ። ክውለዱ ከሎዉ ከኣ ነንወለዶምን ነንስድራኦምን ኢዮም። ናይ ጐይታ ልደት ግን፡ ንኹሉ ዓለም ድሕነት ዘውህብ ስለዝኾነ ተወሊዱልና ይብል። ወዲ ተዋሂቡና ከኣ በለ፡ እዚ ውህበት’ዚኸ ንምንታይ እዩ እንተ በልና፡ ንዓና ክብል ኩሉ ዝቕበሎ መከራ፡ ሕማማትን፡ ስቅያትን፡ ስቕለትን፡ ሞትን ስለዘለዎ፡ ወዲ ተዋሂቡልና ኢሉ የምጽኦ።   ልደት ጐይታ ከምቲ መልኣኽ ነቶም ጓሶት ከበሥሮም ከሎ፡ እነሆንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም ኣሎኹ’ሞ፡ ኣይትፍርሁ ዝበሎም ንሓደ-ክልተ ዘይኮነስ ንሙሉእ ዓለም ዘሓጕስ. Read more....

ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን May 05, 2013
ሕያዋይን ርህሩህን መፍቀር-ሰብን ዝኾነ ልዑል ኣምላኽና፡ ነቲ ነቦና ኣዳም ዘተስፈዎ ተስፋ ድሕነት፡ ክፍጽም ሥጋና ለቢሱ ንዓና መሲሉ፡ ከድሕነና ኣብ ዝመጸሉ ጊዜ፡ ደቂ ሰባት ክንገብሮ ዝግባኣና ኩሉ ሠናይ ተግባራት ምሂሩናን ኣርእዩናን  ኢዩ፡ መጀመርያ ንኹሉ ሠናይ ተግባር መሠረቱ ጾም፡ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ትምህርቱ ኮነ ተኣምራቱ ቅድሚ ምጅማሩ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾመ..Read More....
ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ። ሉቃስ 1፡46 January 2012

ልዑል እግዚኣብሔር ንወድ ሰብ ብመልክዑን ብምስሉን ክፈጥሮ ከሎ፡ ከመስግኖ ክውድሶ ክእዘዞ ከፍቅሮ መወዳእትኡ ድማ መንግሥቱ ከውርሶ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እቶም ንዘለዓለም ብጽቡቕ ክዝከሩን ክለዓሉን ዝነብሩ ኣቦታት፡ ነቢያት ኮኑ ሓዋርያት፡ ጻድቃን ኮኑ ሰማዕታት፡ ተፈጥሮኦም ሓሊዮም፡ ብምስጋና፡ ብውዳሴ፡ ብመስዋዕቲ፡ ብቕኑዕ ኣምልኾ፡ ንእግዚኣብሔር ኣስሚሮሞ ኢዮም። ባህ ስለ ዘበልዎ ድማ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ “ዓይኒ ዘይረኣዮ፡ እዝኒ ዘይሰምዖ፡ ልቢ ሰብ ዘይሓለኖ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳልዩሎም ኣሎ።” ዝበሎ 1ቆሮ.2፡9 ኩሉ መንገዶም ኣምላኽ ዝሕጐሰሉ ጥራሕ ስለ ዝኾነ ንዘለዓለም ክሕጐሱ ይነብሩ ኣለዉ። ካብዞም ሕጉ ሓሊዮም ዝኸዱ ኣበው ዝተረኽበትን ዝተወልደትን ድማ ፍልይ ዝበለት ኣደ “እሞሙ ለኵሎሙ ሕያዋን” ኣደ ኹሎም ሕያዋን ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ተረኽበት። እዛ ኣደ’ዚኣ Read more...

ሕፃን ተወልደ ለነ ወልድ ተውህበ ለነ January 2013
ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ኪውለድ ከሎ፡ መልኣኽ ንጓሶት “እነሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም ኣሎኹ’ሞ ኣይትፍርሁ እናበለ ዘበሠሮም ንሓደ ንኽልተ ዘይኮነስ ንኹሉ ዓለም ዝኸውን ሓጎስን ፍሥሓን ኢዩ። ቅድሚ ልደት ጐይታ ኩሉ ዓለም በታ ናይ ኣቦና ኣዳም ስሕተት ኣብ ግዝኣት ጸላኢ ክጸንሕ ከሎ፡ ጐይታ ምስ ተወልደ ግን፡ ብርሃን ፀሓይ ክቕልቀል ከሎ ጸልማት ከም ዝሃድም፡ ሥልጣን ጸልማት ርሒቑ ግዝኣት ሰይጣን ዓነውነው ኢሉ ፈረሰን ረሓቐን።“ነቶም ሕልቅነትን ሥልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ ብመስቀሉ ምስ ሰዓሮም ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኣሕፈሮም” ይብል ቈላስይስ 2፡15። እዚ ልደት’ዚ Read More....

ኣስተርእዮ 2012

እዚ ዕለት እዚ 21 ጥሪ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፣ ወርሓት ናይ ጐይታ ምግላጽ ስለ ዝኾነ ብልምዲ ኣስተርእዮ እናተባህለ ይጽዋዕ፣ እዚ ምስጋና ቅድስት ማርያም ከኣ “ወይዘክሩ ስመኪ በኩለ ትውልደ ትውልድ” እናበሉ ቀዳሞት ነቢያት ዘመስገንዋ፣ ቅደስ ገብርኤል መልኣኽ ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ተሓጐሲ ኢሉ ዘመስገና፣ ኤልሳቤጥ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ… ብፅዕቲ ኢኺ፣ ኢላ ዘመስገነታ፣ ባዕላ'ውን ቅድስት ማርያም "እነሆ ካብ ሕጂ ኩሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኺብሉኒ ኢዮም" ብዝበለቶ ሉቃስ 1፣26-48 ኹሉ ኣምልኾናን ስግደትናን ምስጋናናን ንኣምላኽና ኣቐዲምና፣ ንዓኣ ኸኣ ኣማላዲት ጌርና እናወደስና ነዕብያን ነኽብራን። ላቲ ይደሉ ክብር ወስብሓት፣ ወለወልዳ ኣምልኮ ወስግደት ከም ዝተባህለ Read More....

ወተንሥኣ እግዚኣብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም April 15, 2012
ናይ ጏይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ሃንዯበታዊ ትንሣኤ ዘይኮነስ፡ ቅድም ኢለ ባዕለ ካብቲ ክምህር ዝጀመረለ ጊዜ ጀሚሩ ብግለጽን ብምሳላን ዝገሌጾ ዝነበረ ትንሣኤ ኢዩ። ቅድሚ ስቕሇቱ ኮነ ትንሣኤኡ ዝረኽቦ መከራ ንሓዋርያቱ ክገሌጸልም ከል “እነሆ ንኢየሩሳላም ንወጽእ ኣልና ንወዲ ሰብ ንሉቃውንቲ ካህናትን ንመምህራን ሕግን ኣሕሉፎም ክህብዎ፡ ንሞት ውን ክፈርድዎ ኢዮም ፡ ነሕዛብ ድማ ኣሕሉፎም ክህብዎ ንሳቶም’ውን ኬሊግጹለን ኪገርፍዎን ኪሰቕለዎን ኢዮም ብሣሌሰይቲ መዓሌቲ ውን ኪትንሥእ ኢዩ፡ Read More....
ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት January 07, 2012
ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ ሞንጎ’ቶም እግዚኣብሔር ዝሕጎሰሎም ሰብ” (ሉቃስ 2፡14)
እዚ መዝሙር’ዚ እቶም ምስጋና ዝሥርሖም ንጹሓን መላእኽቲ፡ ነቲ ቕድሚ ዓለም ዝነበረ ንድሕነት ደቂ ኣዳም ክብል ሥጋ ዝለበሰ፡ ኣብ ቤተ-ልሔም ኣብ መብልዕ ማል ንዝተወልደ ጐይታ፡ ንኽብሩ መግለጺ ብሃንደበት ዘመስገኑዎ ምስጋና ኢዩ፡፡
Read more...
ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚኣብሔር መዝ. ፲፩ April 24, 2011

ሕጂ ክትንሥእየ ይብሌ እግዚኣብሔር መዝ. 12፡5
ወሇድና ኣዲምን ሔዋንን ትእዛዝ ኣምሊኽ ብምፍራስ ብዝገበሩዎ ሓጢኣት ናይ ሞት ፍርዱ ተፈርዶም፡ እዚ ፍርዱ’ዚ ኸኣ ኣብኦም ጥራሕ ዝውሰን ዗ይኮነስ ኣብ ኩልም ዗ርኦም ከም ዝተሓሊሇፈ ይፍሇጥ፡ “ሞት ግና ካብ ኣዲም ጀሚሩ ክሳብ ሙሴ፡ ኣብቶም ከምቲ ናይ ኣዲም ትእዛዝ ብምጥሓስ፡ ሓጢኣት ዝገበሩን ዗ይገበሩን ነጊሡ ነበረ።” ሮሜ. 5፡14 እግዚኣብሔር ግና ርህሩህ ስሇ ዝኾነ ን዗ሇዓሇም ሞት ተፈሪደዎም ክነብርን ክተርፍን ፍቓደ ስሇ዗ይኮነ፡ ንዯቂ ሰብ በጃ ክኸውን ሰብ ኮይኑ ማሇት ሥጋ ሇቢሱ ናብዚ ዓሇም እዚ መጸ። ብተበጃውነቱ ድማ ንወድሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣት ናጻ ኣውጽኦ። ብምኽንያት ሓጢኣት ስኢንዎ ዝነበረ ጸጋ ከም ዝረክብ ገበሮ። እቲ ዝዓበየ ከኣ ሥጋኡን ዯሙን ብምዕዲሌ ምስኡ ሕብረት ከም ዝረክብ ጌሩዎ ኢዩ።Read More....

"ሕፃን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተዋሂቡልና።" ኢሳ.9፡6 January 7,2011

ነቢይ ኢሳይያስ መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሉ ብዛዕባ ልደት ጐይታ ብዙሕ ግሉጽን ብሩህን ትንቢታት ተነብዩ ኢዩ። ንሱ ድማ ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ናይ ብሓቂ ብርሃን ከም ዝኾነ ተራእይዎ፡ “እቲ ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም።” ኢሳ.9፡2 ክብል ነቶም ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ክሕደትን ሓጢኣትን ዝነብሩ ንዝነበሩ ሕዝቢ Read more....

ኣስተርእዮ January 29,2011

እዚ ቃል’ዚ እግዚኣብሔር ኣብ፡ ቅዱስ ፍቓዱ ኰይኑ ነቲ ሓደ ወዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ክውለድ፡ ሥጋ ክለብስ ምስ ፈቐደ፡ ንመልኣኹ ልኢኹ ምስ ኣበሠራ፡ ንሳ ድማ እግዚኣብሔር ዝሃባ ጸጋን ክብርን ርእያ ኣቐዲማ ንፈጣሪኣ ከተመስግን ከላ፡- “ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ በቲ መድሓንየይ ባህ ይብሎ።...” ኢላ ኣመስገነት እሞ ከምቲ መልኣኽ “ኣቲ ምልእተ ጸጋ ሰላም ንዓኺ ይኹን፡ ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ'ሞ ባህ ይበልኪ ዝበላ፡ መንፈስ ቅዱስ ናብኣ ወሪዱ፡ ሓይሊ ልዑል ኣጽሊሉ፡ እቲ ካብኣ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ከኣ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነብሳ ነብሲ ወሲዱ ምስ ተወሃደ፡ እቲ ኩሉ መጻኢ ነገራት ተገሊጹላ፡ “እነሆ ካብ ሕጂ ኩሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኪብሉኒ ኢዮም” ኢላ ተነበየትRead More....

ለከ ኃይል...ኪርያላይሶን

ለከ ኃይል ክብር ወስብሓት ወእዘዝ እስከ ለዓለም፡ ኣማኑኤል ኣምላኪየ ለከ ኃይል ክብር ወስብሓት ወእዘዝ እስከ ለዓለም....ኪርያላይሶን

 

በዓል ትንሣኤ "The Feast of the Holy Resurrection"

ወተንሥኣ እግዚኣብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም

“እግዚኣብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዝትንሥእ ሰብ ተንሥአ።” መዝ.78፡65

      ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንድሕነት ዓለም ኢሉ ኣብዚ ምድሪ ወሪዱ ሥጋና ለቢሱ ሰብ ምስ ኮነ ብዘይካ ሓጢኣት ኩሉ ናይ ሰብ ባህርያት ፈጸመ። 33 ዓመትን 3 ወርሕን ምስ ገበረ ጊዜ ስቕለቱ እናቐረበ ምስ ከደ፡ ኩሉ ዝመጾ ዝኾነ ንደቀ መዛምርቱ ብግልጺ ይነግሮም ነበረ። መራሕቲ ኣይሁድ ካብ ቅድም ኣትሒዞም በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ዓበይቲ ተኣምራት ብዙሕ ቅንእን ጽልእን ኣብኡ ኣሕደሩ፡ ብዝያዳ ካብቲ ሥርዓት መንግሥቲ ዘርኣየሉ ሰንበት ሆሣዕና ኣዝዮም ተቖጥዑን ሓረቑን እሞ ከመይ ጌሮም ከም ዘጥፍእዎ ንኽዝትዩ ጉባኤታት ኣካየዱ፡ Read more....

AsterEyo 2010

  .....ናታ ኣማላድነት ቅልጡፍን ሕራይ ዘብልን ከም ዝኾነ ኣቐዲምና ርኢናዮ ኢና፡ ኣብቲ መርዓ ናይ ቃና፡ ወይኒ ተወዲእዎም ክጭነቑ ምስ ረኣየቶም በቲ ርህራሄኣ "ወይኒ እምበር የብሎምን" ኢላ ንጐይታ ምስ ለመነቶ፡ ጐይታ ኸኣ ልማኖኣ ሰሚዑ ንግዚኡ ነቲ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ ኢሉ ናብ ወይኒ ለዊጡ ከም ዝሕጐሱ ገበሮም። "ወሥሉጥ ስምኪ በኀበ እግዚኣብሔር" ይብል። ቅድስት ማርያም በዚ ከምዚ ዝበለ ቅድስናን ንጽህናን ድሕሪ ምጽናሓ፡ ጐይታ ዓርቢ ስቕለት ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ክሰናበት ከሎ ንተመሃራዩ ዮሓንስ እነሃ ኣዴኻ፡ ንዓኣ ድማ እነሆ ወድኺ ብምባል ብዮሓንስ ኣቢሉ ንኹልና እነሃ ኣዴኹም ኢሉ ኣደን ኣማላዲትን ገዲፉልና ኢዩ። ድሕርዚ ምስ ዮሓንስ ን 15 ዓመት ጸኒሓ ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝተወልደት ስለ ዝኾነት በቲ ንኣዳም ዝተኣዘዘ መጸዋዕታ ሞት፡ ኣብ መበል 64 ዕድሜኣ፡ በዚ ኦኣመት ዓመት እንዝክሮ ዘሎና ዕለት 21 ጥሪ ዓረፈት። "ኢያድለወ ሞተ ክርስቶስ ለሥጋ ኣባሉ" ብሞትስ ነዲኡ'ኳ ኣይነሓፋን ኣየዳለዋን ይብል ቅዱስ ያሬድ።ተወሳኺ ንባብ ኣብዚ ጠውቑ ...Read More....

ዓመታዊ ክብረ-በዓል ኣስተርእዮ ብድምቀት ተኸቢሩ

ዓመታዊ ክብረ-በዓል ኣስተርእዮ ደብረ ሰላም ቅድስት ማርያም ቤተ-ክርስቲያን ሽካጎ፡ ቀዳም 30 ጥሪ 2010 ብኽብ ዝበለ ስነ-ሥርዓት ብድምቀት ተኸቢሩ። እቲ በዓል ዓርቢ ናይ ምሸት ብዋዜማ ተጀሚሩ፡ ቀዳም ድማ ካብ ንግሆ ሰዓት 5 ጀሚሩ ሙሉእ መዓልቲ ብማኅሌት ብቅዳሴ ብመዝሙር ብዝተፈላለየ መደባት ተኸቢሩ። ኣብቲ በዓል ህዝቢ ሽካጎን ከባቢኣን፡ ከምኡ ውን ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝመጹ ካህናትን ምእመናንን ተረኺቦም ብድምቀት ኣኽቢሮሞ::

ጥምቀት: ሽዑ ጐይታ ኢየሱስ ብዮሓንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ።
                                                               ማቴ.3፡13-17.

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መምህር ትሕትና ስለ ዝኾነ ትሕትና ኽምህር: ፈጣሪ ኽነሱ ብፍጡሩ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ወዲ ሠላሳ ዓመት ምስ ኮነ ትምህርትን ስብከትን ቅድሚ ምጅማሩ ክጥመቕ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ከምዚ’ሉ ናብ ዮርዳኖስ ምምጽኡ ትንቢት ንምፍጻም፡ ትሕትና ንምርኣይ፡ ማያት ንምቕዳስ፡ መርገም ንምድምሳስ ኢዩ።.......ከምዚ ኢሉ ጐይታ ክጥመቕ ከሎ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መንፈስ ኣምላኽ በምሳል ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ዓለበ፡ እነሆ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ ኢዩ” ዝብል ድምጺ ድማ ተሰምዐ። እዚ ኸኣ ሰማይ ተኸፍተ ዝተባህለ ሰማይ ዝኽፈትን ዝዕጾን ኮይኑ ዘይኮነስ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምሥጢር ተራእየ። እቲ ዝተራእየ ምሥጢራት ከኣ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ በምሳል ርግቢ ኣብ ርእሱ ክዓልብ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ካብ ሰማይ ድምጺ ከስምዕ፡ ንሱ ንባዕሉ ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል እግዚኣብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ባሕሪ ደው ኢሉ ክጥመቕ፡ ኣምላኽነቱ ሠለስትነቱ ተገልጸ።Read More.......

“ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ ሞንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዝሕጐሰሎም ሰብ፡” ሉቃስ 2፡14.

   

እዚ መዝሙር’ዚ ኣብዚ ዓመት ዓመት ብብዙሕ ናፍቖት እንጽበዮን እነኽብሮን ርእሲ በዓላት ዝኾነ በዓል ልደትና፡ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት በቶም ምስጋና ዝሥርሖም ቅዱሳን መላእኽቲ ዝተዘመረ መዝሙር ኢዩ። እግዚኣብሔር እቲ ናይ ድሕነት ተስፋ ቅድም ኢሉ ንነቢያት እናነገሮም ዝጸንሐ ንዓለም ዘድሕነሉ ግዜ ምስ ኣኸለ ሰብ ኮይኑ ሥጋ ለቢሱ ኽውለድ ፍቓዱ ኮነ። ገላ.4፡4. ነዚ ድሕነት ዓለም ምኽንያት እትኸውን ድማ ብቕድስናን ብንጽህናን ብቕዕቲ ኮይና ንዝረኸባ ንቕድስት ድንግል ማርያም መረጸ። ንመልኣኹ ቅዱስ ገብርኤል ልኢኹ ድማ ኣብሠራ። እቲ መልኣኽ “ሰላም ንዓኺ ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ ኢዩ፡ ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ  ኢኺ፡ እነሆ ክትጠንሲ ወዲ ውን ክትወልዲ ስሙ ኸኣ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ... በላ’ሞ ቅድስት ድንግል ከኣ ኣነ ድንግል ኢየ እዚ ነገር እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል በለቶ ንሱ ኸኣ መወዳእትኡ ዘየዳግም ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን በላ ንሳ ኸኣ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነኒ በለት፡ ሉቃስ.1፡26-38. በዚ ግዜ’ዚ ኣካላዊ ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ማሕፀና ሓዲሩ ሥጋና ለቢሱ ሰብ ኮይኑ ተወልደ። “ቃል ሥጋ ኮነ” ዮሓ.1፡14.Read more.....

 

 "SUCCESS POINTS"

1) SUCCESS AT SCHOOL IS SUCCESS AT LIFE

2) Read a Book Everyday. Reading is the Key to the Academic Success.

3) Learn to type fast and accurate at a younger age. Now in days everything requires use of computers and typing.     

"STUDY TIPS"

1) Take notes in class as much as you can. Try to write as much notes possible. Do not worry about how rough your writing is, you can rewrite your own notes neatly.

2) Make your own notes out of the class room like at home or in the library by using and rewriting your class notes, reading your text books, reviewing all headlines and headings, looking at all the graphics, illustrations and revisions, and understanding contents of the topics on each chapter....Read More.....

 

Eritrean orthodox tewahdo church of St Mary in Chicago

Blessing points

1.     Growing spiritually and stand firm in your faith, so that you will take the right path and walk the right direction in life.

2.     Put God first and follow the right way of life. This will give you a peace of mind and successful life.

3.     Be positive and have a big dream for your lives and studies.

“Don’t forget that success at school is success in life.”....Read_more......

AsterEyo

“እቲ ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ  ጸልማት ምድሪ ሞት ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም” ኢሳ.9፡2.

እግዚኣብሔር ኣምላኸ ነቲ ኽገብሮ ዘለዎ ኣቐዲሙ ንነቢያቱ ከይሓበረ ከም ዘይገብሮ ነቢይ ኣሞጽ ኣብ ትንቢቱ ኣስፊሩዎ ኣሎ፡ ኣሞጽ.3፡7። እቲ ኣቦ ኹሉ ዝኾነ ኣዳም ትእዛዝ ፈጣሪኡ ምስ ጠሓሰ ማለት ካብ ዘይተኣዘዞ ዕፀ-በለስ ምስ በለዐ፡ ንግዚኡ ካብ ኣምላኽ እኳ እንተ ረሓቐ፡ እቲ ፈጢሩ ዘይጭክን ኣምላኽ ግና ጣዕሳኡ ርእዩ ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ ኢየ ዝብል ተስፋ ኣስሚዕዎ ነበረ። ነዚ ተስፋ እዚ ድማ በብዘመኖም ዝተላዕሉ ነቢያት መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሎም ብዝተፈላለየ መልክዕ ምጽኣት ጐይታ ሓቢሮም ኢዮም። ነቢይ ሙሴ “እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ካብ ማእከልኩም፡ ካብ ሕዝብኹም ከማይ ዝበለ ነቢይ ኬተንሥኣልኩም ኢዩ፡ ንዑኡ ስምዕዎ።” ብምባል ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ከም ዝውለድ ኣቐዲሙ ገለጸ ። ዘዳ.18፡15, ግ.ሓ.3፡22።Read more......

Drib Habti

Geez Calendar

Audio Bible

Facebook Fanpage Box

Bible Search

Search the Bible



BibleGateway.com